ከይዲ ምኽፋል ግብሪ ይቕፅል ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት እታ ወረዳ ኣፍሊጡ፡፡

መቐለ ነሓሰ 07/2009(ድወት) ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግረይ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከይዲ ምኽፋል ግብረ ዕውት ብዝኾነ ኣገባብ ይቕፅል ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት እታ ወረዳ ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ወ/ሮ ንግስቲ ተስፋይ ከምዝገለፅኦ ባሕቲ ሓምለ 2009ዓ.ም ዝተጀመረ ከይዲ ምኽፋል ግብሪ በጀት ዓመት 2010 ዕውት ብዝኾነ ኣገባብ እናቐፀለ’ዩ፡፡

ኣብ ወርሒ ሓምለ ካብ ነጋዶ ብርኪ “ሐ”ን ኣካረይቲ ገዛን ክእከብ ዝተተለመ 3 ሚልዮን ቅርሺ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተኣከበ ዝገለፃ ወ/ሮ ንግስቲ ምስ ከፈልቲ ግብሪ ኣቐዲሙ እኹል ምርድዳእን ምትእምማንን ተገይሩ ብምፅንሑ ብዘይካ ሓደ ነጋዳይ ካሊእ ዘቕረበ ጥርዓንን ሕቶ ይግባአንን ከምዘየለ ሓቢረን፡፡

እቲ ከይዲ ምኽፋል ግብሪ ሐዚ’ውን ተጠናከሩ ይቕፅል ከምዘሎን ኣብቶም ዝቕፅሉ 9 ኣዋርሕ 32 ሚልዮን ቅርሺ ንምእካብ ተተሊሙ እናተሰርሐሉ ምዃኑን እተን ሓላፊት ተዛሪበን፡፡